እቶም ሰለስተ ንኣሽቱ ሓሰማታት

ጽሟቕ ዛንታ

እዛ ዛንታ ብዛዕባ ሰለስተ ንኣሽቱ ሓሰማታት፡ ብሰንኪ ድኽነት ከተዕብዮም ዘይከኣላት ኣዲኦም፡ ባዕሎም ማእሪሮም ነብሶም ክኽእሉ ካብ ገዛ ዘውጽኣቶም እያ ተዘንቱ። ብመጀመርታ ክገብርዎ ዝነበሮም ገዛ መዕቆቢ ምስራሕ ስለዝነበረ ብሓሰር፡ ብቐሸም፡ ብሕጡብ ጌሮም ነናቶም ገዛ ሰርሑ። ብድሕሪ’ዚ ሓደ ጨካን ተዂላ ነቶም ሓሰማታት ክበልዕ ነቲ ገዛውቶም ከፍርሶ ጀመረ። ነታ ብሓሰር ዝተሰርሐትን ነታ ብቐሸም ዝተሰርሐትን ከፍርሰን ከሎ ነታ ብሕጡብ ዝተሰርሐት ግን ከፍርሳ ኣይከኣለን። እቶም ገዛውቶም ዝፈረሶም ክልተ ኣሕዋት ካብቲ ተዂላ ሃዲሞም ናብቲ ገዝኡ ብሕጡብ ዝሰርሐ ሓዎም ተዓቖቡ። እቲ ተዂላ ነቲ ሰለስቲኦም ኣሕዋት ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ ገዛ ከፍርሶ ስለዘይከኣለ በቲ መውጽእ ትኪ ክኣቱ ፈተነ። ብሰንኪ እቶም ኣሕዋት ኣዳልዮሞ ዝጸንሑ ፍሉሕ ማይ ግን እቲ ተዂላ ንሓዋሩ ከም ዝሃድም ኮነ፡ እቶም ሰለስተ ንኣሽቱ ሓሰማታት ድማ ብሰላምን ሓጎስን ናብርኦም ቀጸሉ። እዛ ዛንታ ዘሎካ ትሕዝቶ ከመይ ጌርካ ብጥበብ ትጥቀመሉን፡ ሓድነትን ምትሕብባርን ንዘጓንፈካ ጸገማት ክትሰግር ሓገዝቲ ምዃኖምን ትምህረና።

ኦንላይን ኣንብብ

ሓደ እዋን ሓንቲ ኣረጊት ሓሰማ ሰለሰተ ውላድ ዝነበርዋ ነበረት። እዛ ኣደ ስእንቲ ብምንባራ ንደቃ ዝኸውን መግቢ ኣይነበራን። ስለዚ ካብ ገዛ ወጺኦም ሂወት ንዝቐረበትሎም ዕጫ ኣልዒሎም፡ ርእሶም ክኢሎም  ክነብሩ ምዒዳ ኣፋነወቶም።

ካብ ገዝኦም ምስ ወጽኡ ሓደ ካብኦም ሓደ ሓሰር ዝተሰከመ ሰብኣይ ረኣየ እሞ ደድሕሪኡ ጎዩ “ሰላም ኣቦ! በጃካ እንዶ እዚ ሓሰር ሃበኒ ገዛ ክሰርሓሉ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ድማ እቲ ጥማር ሓሰር ሃቦ’ሞ እቲ ሓሰማ ከኣ ናይ ሓሰር ገዛ ሰርሐ።

The Three Little Pigs Illustration asking for straw

እቲ ሓሰማ ኣብ ገዝኡ ተሓጒሱ እናኣዕረፈ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን  ሓደ ዓቢ ጨካን ተዂላ ይመጽእ እሞ ነቲ ማዕጾ ናይቲ ገዝኡ ኳሕ ኳሕ ኣቢሉ “ንእሽቶ ሓሰማ ክፈተኒ ግዳ” ይብሎ። 

“እምብለይ እምብለይ ወላ በታ ናይ መንከሰይ ንእሽቶ ጭሕሚ ትኹን ኣይከፍተካን እየ” በሎ እቲ ሓሰማ። 

“ኦ! ኣብዚ ዲኻ ዘለኻ፡ በል ኡፍፍፍ ኢለ ገዛኻ ክብንቁሮ እየ” በለ ተዂላ፡ ከምኡ ድማ ገበረ። እቲ ሓሰማ ከኣ ሃዲሙ ናብ ሓዉ ከደ።

እቲ ካልኣይ ሓሰማ ካብ ገዛ ምስ ወጽአ ሓደ ቀሸም ዝተሰከመ ሰብኣይ እዩ ረኺቡ፡ “ሰላም ኣቦ! ገዛ ክሰርሓሉ’ባ ካብዚ ቀሸምካ ሃበኒ” በሎ። እቲ  ሰብኣይ ምስ ሃቦ ድማ ገዛ ብቐሸም ጌሩ ሰርሐ። 

ስርሑ ወዲኡ ሓበን ተሰሚዑዎ፡ ደስ ኢልዎ ኣብ ገዝኡ እናኣዕረፈ፡ ማዕጾ ክኹሕኳሕ ሰምዐ። እቲ ንእሽቶ ሓዉ እዩ ኔሩ “ተዂላ እንድዩ ገዛይ ኣፍሪሱለይ፡ ምሳኻ’ዶ ኣብዚ ክዕቆብ?” በሎ።

ሓዉ ድማ “ከመይ ደኣ፡ ገዛይ ብቐሸም ስለዝተሰርሐ ድልዱል እዩ። ኣይትሰከፍ እቶ!” በሎ።

ሽዑ እቲ ተዂላ ናብቲ ብቀሸም ዝተሰርሐ ገዛ መጺኡ “ንእሽቶ ሓሰማ ክፈተኒ ግዳ” ይብሎ። 

“እምብለይ እምብለይ ወላ በታ ናይ መንከሰይ ንእሽቶ ጭሕሚ ትኹን ኣይከፍተካን እየ” በሎ እቲ ሓሰማ። 

“ኦ! ኣብዚ ዲኻ ዘለኻ፡ በል ኡፍፍፍ ኢለ ገዛኻ ክብንቁሮ እየ” በሎ እቲ ተዂላ፡ ከምኡ ድማ ገበረ። 

እቶም ክልተ ሓሰማ ሃዲሞም ናብ’ቲ ሳልሳይ ሓዎም ከዱ።

The Three Little Pigs Illustration where the wolf is blowing the wooden house to pieces.

እቲ ሳልሳይ ሓሰማ ሓደ ሕጡብ ዝጸዓነ ሰብኣይ እዩ ረኺቡ። “ሰላም ኣቦ! እዚ ሕጡብ እባ ሃበኒ ገዛ ክሰርሓሉ” ኢሉ ከኣ ለመኖ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ሃቦ። እቲ ሓሰማ ብኡኡ ጌሩ ናይ ሕጡብ ገዛ ሰርሐ።

ኣብ ገዝኡ ኮፍ ኢሉ ከሎ ማዕጾ ተዃሕኲሐ። እቶም ዝዃሕኩሑ ኣሕዋቱ እዮም ነይሮም “ተዂላ ገዛውትና ኣፍሪሱልና እሞ ምሳኻ’ዶ ክንከውን?” በልዎ።

The Three Little Pigs Illustration where the pigs run to the brick house of their brother

“ብርግጽ! እተዉ ገዛይ ብሕጡብ ስለዝተሰርሐ ድልዱል እዩ!” በሎም። “ግን እቲ ተዂላ ኣብዚ እውን ክመጸና እዩ ስለዚ ሓደ ጥበብ ክንምህዝ ኣለና” ከኣ በሎም። “ንዘልኣለም ከም ዘይምለሰና ክንገብር ኣለና” ተበሃሃሉ። ከም’ቲ ሳልሳይ ሓዎም ዝገመቶ ድማ እቲ ተዂላ ናብቲ ከባቢ መጸ…

እቲ ገዚፍ ጨካን ተኹላ ናብታ ብሕጡብ ዝተሰርሐት ገዛ መጺኡ “ንእሽቶ ሓሰማ ኣእትወኒ ግዳ” በሎ።

“እምብለይ እምብለይ ወላ በታ ናይ መንከሰይ ንእሽቶ ጭሕሚ ትኹን ኣይከፍተካን እየ” በሎ እቲ ሓሰማ።

“ኦ! ኣብዚ ዲኻ ዘለኻ፡ በል ኡፍፍፍ ኢለ ገዛኻ ክብንቁሮ እየ” በለ እቲ ተዂላ። 

እቲ ተኹላ ኣንጸርጺሩ ነቲ ገዝ ከፍርሶ ኩሉ ሓይሉ ኣኻኺቡ ኡፍፍፍ ኡፍፍፍ እኳ እንተበለ ክዕወት ኣይከኣለን፡ ዝገበረ እንተገበረ እውን ከምዘይሰልጦ ተረድኦ።

ኩሉ ፈቲኑ ምዃን ምስ ኣበዮ ብሕርቃን ኣብቲ ልዕሊ ገዛ ደይቡ በቲ መውጽእ ትኪ ናብ’ቶም ሓሳማታት ክኣቱ ፈተነ።

እቶም ሰለስተ ንኣሽቱ ሓሰማታት ግን እንታይ ክገብር ከምዝሓሰበ ተረዲኦም፡ ሓዊ ኣናኺሶም ኣብ ዓቢ በራድ ማይ ሰኽተቱ። እቲ ተዂላ በቲ መውጽእ ትኪ ንውሽጢ ክኣቱ ምስ ፈተነ፡ ነቲ ዝፈልሕ ዝነረ በራድ መኽደኑ ከፈትዎ እሞ እቲ ሃፋ ናይ ማይ ነቲ ተዂላ ኣንደዶ። 

ሽዑ እቲ ተዂላ ዓው ኢሉ ነቀወ “ደሓን ሓንቲ መዓልቲ ክረኽበኩም እየ” ኢሉ እናኣእወየ ከኣ ሃዲሙ ከደ።

ብድሕሪኡ ኸ? እቲ ተዂላ በታ ዝኸዳ ምስ ጠፍአ ኣይተመልሰን።

እቶም ሓሰማ ኸ? ንሓዋሩ ብሓጎስ ኣብታ ብሕጡብ ዝተሰርሐት ገዝኦም ብሓባር ክነብሩ ጀመሩ።

The Three Little Pigs Illustration where everything ended well

Credits

እዛ ዛንታ ብሚለን ዳዊት ዝተተርጎመት እያ። ሚለን ዳዊት ደራሲት ናይ ተኽለን እታ ገዛፍ ዱባን ከምኡ እውን ተኽለን እታ ገዛፍ ዱባን 2ይ ክፋል እያ።