ሓደ እዋን ሓንቲ ኣረጊት ሓሰማ ሰለሰተ ውላድ ዝነበርዋ ነበረት። እዛ ኣደ ስእንቲ ብምንባራ ንደቃ ዝኸውን መግቢ ኣይነበራን። ስለዚ ካብ ገዛ ወጺኦም ሂወት ንዝቐረበትሎም ዕጫ ኣልዒሎም፡ ርእሶም ክኢሎም ክነብሩ ምዒዳ ኣፋነወቶም።
ካብ ገዝኦም ምስ ወጽኡ ሓደ ካብኦም ሓደ ሓሰር ዝተሰከመ ሰብኣይ ረኣየ እሞ ደድሕሪኡ ጎዩ “ሰላም ኣቦ! በጃካ እንዶ እዚ ሓሰር ሃበኒ ገዛ ክሰርሓሉ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ድማ እቲ ጥማር ሓሰር ሃቦ’ሞ እቲ ሓሰማ ከኣ ናይ ሓሰር ገዛ ሰርሐ።

እቲ ሓሰማ ኣብ ገዝኡ ተሓጒሱ እናኣዕረፈ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ሓደ ዓቢ ጨካን ተዂላ ይመጽእ እሞ ነቲ ማዕጾ ናይቲ ገዝኡ ኳሕ ኳሕ ኣቢሉ “ንእሽቶ ሓሰማ ክፈተኒ ግዳ” ይብሎ።
“እምብለይ እምብለይ ወላ በታ ናይ መንከሰይ ንእሽቶ ጭሕሚ ትኹን ኣይከፍተካን እየ” በሎ እቲ ሓሰማ።
“ኦ! ኣብዚ ዲኻ ዘለኻ፡ በል ኡፍፍፍ ኢለ ገዛኻ ክብንቁሮ እየ” በለ ተዂላ፡ ከምኡ ድማ ገበረ። እቲ ሓሰማ ከኣ ሃዲሙ ናብ ሓዉ ከደ።
እቲ ካልኣይ ሓሰማ ካብ ገዛ ምስ ወጽአ ሓደ ቀሸም ዝተሰከመ ሰብኣይ እዩ ረኺቡ፡ “ሰላም ኣቦ! ገዛ ክሰርሓሉ’ባ ካብዚ ቀሸምካ ሃበኒ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ምስ ሃቦ ድማ ገዛ ብቐሸም ጌሩ ሰርሐ።
ስርሑ ወዲኡ ሓበን ተሰሚዑዎ፡ ደስ ኢልዎ ኣብ ገዝኡ እናኣዕረፈ፡ ማዕጾ ክኹሕኳሕ ሰምዐ። እቲ ንእሽቶ ሓዉ እዩ ኔሩ “ተዂላ እንድዩ ገዛይ ኣፍሪሱለይ፡ ምሳኻ’ዶ ኣብዚ ክዕቆብ?” በሎ።
ሓዉ ድማ “ከመይ ደኣ፡ ገዛይ ብቐሸም ስለዝተሰርሐ ድልዱል እዩ። ኣይትሰከፍ እቶ!” በሎ።
ሽዑ እቲ ተዂላ ናብቲ ብቀሸም ዝተሰርሐ ገዛ መጺኡ “ንእሽቶ ሓሰማ ክፈተኒ ግዳ” ይብሎ።
“እምብለይ እምብለይ ወላ በታ ናይ መንከሰይ ንእሽቶ ጭሕሚ ትኹን ኣይከፍተካን እየ” በሎ እቲ ሓሰማ።
“ኦ! ኣብዚ ዲኻ ዘለኻ፡ በል ኡፍፍፍ ኢለ ገዛኻ ክብንቁሮ እየ” በሎ እቲ ተዂላ፡ ከምኡ ድማ ገበረ።
እቶም ክልተ ሓሰማ ሃዲሞም ናብ’ቲ ሳልሳይ ሓዎም ከዱ።

እቲ ሳልሳይ ሓሰማ ሓደ ሕጡብ ዝጸዓነ ሰብኣይ እዩ ረኺቡ። “ሰላም ኣቦ! እዚ ሕጡብ እባ ሃበኒ ገዛ ክሰርሓሉ” ኢሉ ከኣ ለመኖ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ሃቦ። እቲ ሓሰማ ብኡኡ ጌሩ ናይ ሕጡብ ገዛ ሰርሐ።
ኣብ ገዝኡ ኮፍ ኢሉ ከሎ ማዕጾ ተዃሕኲሐ። እቶም ዝዃሕኩሑ ኣሕዋቱ እዮም ነይሮም “ተዂላ ገዛውትና ኣፍሪሱልና እሞ ምሳኻ’ዶ ክንከውን?” በልዎ።

“ብርግጽ! እተዉ ገዛይ ብሕጡብ ስለዝተሰርሐ ድልዱል እዩ!” በሎም። “ግን እቲ ተዂላ ኣብዚ እውን ክመጸና እዩ ስለዚ ሓደ ጥበብ ክንምህዝ ኣለና” ከኣ በሎም። “ንዘልኣለም ከም ዘይምለሰና ክንገብር ኣለና” ተበሃሃሉ። ከም’ቲ ሳልሳይ ሓዎም ዝገመቶ ድማ እቲ ተዂላ ናብቲ ከባቢ መጸ…
እቲ ገዚፍ ጨካን ተኹላ ናብታ ብሕጡብ ዝተሰርሐት ገዛ መጺኡ “ንእሽቶ ሓሰማ ኣእትወኒ ግዳ” በሎ።
“እምብለይ እምብለይ ወላ በታ ናይ መንከሰይ ንእሽቶ ጭሕሚ ትኹን ኣይከፍተካን እየ” በሎ እቲ ሓሰማ።
“ኦ! ኣብዚ ዲኻ ዘለኻ፡ በል ኡፍፍፍ ኢለ ገዛኻ ክብንቁሮ እየ” በለ እቲ ተዂላ።
እቲ ተኹላ ኣንጸርጺሩ ነቲ ገዝ ከፍርሶ ኩሉ ሓይሉ ኣኻኺቡ ኡፍፍፍ ኡፍፍፍ እኳ እንተበለ ክዕወት ኣይከኣለን፡ ዝገበረ እንተገበረ እውን ከምዘይሰልጦ ተረድኦ።
ኩሉ ፈቲኑ ምዃን ምስ ኣበዮ ብሕርቃን ኣብቲ ልዕሊ ገዛ ደይቡ በቲ መውጽእ ትኪ ናብ’ቶም ሓሳማታት ክኣቱ ፈተነ።
እቶም ሰለስተ ንኣሽቱ ሓሰማታት ግን እንታይ ክገብር ከምዝሓሰበ ተረዲኦም፡ ሓዊ ኣናኺሶም ኣብ ዓቢ በራድ ማይ ሰኽተቱ። እቲ ተዂላ በቲ መውጽእ ትኪ ንውሽጢ ክኣቱ ምስ ፈተነ፡ ነቲ ዝፈልሕ ዝነረ በራድ መኽደኑ ከፈትዎ እሞ እቲ ሃፋ ናይ ማይ ነቲ ተዂላ ኣንደዶ።
ሽዑ እቲ ተዂላ ዓው ኢሉ ነቀወ “ደሓን ሓንቲ መዓልቲ ክረኽበኩም እየ” ኢሉ እናኣእወየ ከኣ ሃዲሙ ከደ።
ብድሕሪኡ ኸ? እቲ ተዂላ በታ ዝኸዳ ምስ ጠፍአ ኣይተመልሰን።
እቶም ሓሰማ ኸ? ንሓዋሩ ብሓጎስ ኣብታ ብሕጡብ ዝተሰርሐት ገዝኦም ብሓባር ክነብሩ ጀመሩ።

