እታ ንእሽቶ ቀያሕ ደርሆ

ጽሟቕ ዛንታ

እዛ ዛንታ ብዛዕባ ሓንቲ ንእሽቶ ቀያሕ ደርሆ ፍረ ስርናይ ምስ ረኸበት መስርሒ ባኒ ዝኾና ስርናይ እንተረኸበት ኢላ ክትተኽላ ዝወሰነት ተዘንቱ እያ። እታ ደርሆ ነታ ፍረ ክትተኽላ ምስ በቖለት ክትዓጽድ ነቲ ዝዓጸደቶ ከተኺዶ ኣብ መወዳእታ ድማ ብዝረኸበቶ ስርናይ ባኒ ክትስንክት ከላ ካብቶም ኣብቲ ሕርሻ ምስኣ ዝነብሩ ዝነበሩ ካልኦት እንስሳታት ከም በዓል ድሙ ሓሰማን ኣንጭዋን ቀጻሊ ሓገዝ ትሓትት ነይራ። እንተኾነ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መስርሕ ኩሎም ክሕግዝዋ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ወላ እኳ ዝኾነ ሓገዝ ኣይትርከብ እታ ደርሆ ተስፋ ከይቆረጸት ኩሉ መስርሕ ንበይና ኣማሊኣ ኣብ መፈጸምታ በጺሓ። እቲ ባኒ ተሰንኪቱ ምስ ወደአ ኩሎም እቶም ሓገዝ ዝሓተተቶም እንስሳታት ምስኣ ክምገቡ ተሃንጠዩ። እንተኾነ እታ ንእሽቶ ቀያሕ ደርሆ እታ ባኒ ንክትስራሕ ዘድሊ ኩሉ መስርሕ ንበይና ስለዝፈጸመቶ እቲ ፍረ ጻዕራ ዝኾነ ውጽኢት ንበይና ክትቋደሶን ክትድሰተሉን ወሰንት። እዛ ዛንታ ኣገዳስነት ናይ ጻዕረኛ ምዃንን ናይ ርእሰ ምርኮሳን ትምህር ከምኡ ድማ ብጻዕሪ ኣብ ዝርከብ ውጽኢት ተኻፋሊ ክትከውን እንተደሊኻ ነቲ ውጽኢት ክውን ኣብ ምግባር ክትሳተፍ ከም ዘለካ ትምህረና።

ኦንላይን ኣንብብ

ሓደ እዋን ሓንቲ ንእሽቶ ቀያሕ ደርሆ ኣብ ሓደ ሕርሻ ትነብር ነበረት። ዝበዝሐ ግዜኣ ኣብቲ ሕርሻ እናተንቀሳቐሰት ኣብ መሬት ዝረኸበቶ ክትቶክብን ሓሳኹ እንተረኸበት ክትጽሕትርን እያ ተሕልፎ ዝነበረት።

de kleine rode hen

ገዘፍትን ምቁራትን ሓሳኹ ክትበልዕ ኣዝያ እያ ትፈቱ ዝነበረት፡ ጥዕና ናይ ደቃ ኣብ ምህናጽ ሓገዝቲ ከም ዝኾኑ ድማ ትኣምን ነበረት። ስለዚ ሓሳኹ ክትረክብ እንከላ “ኩት ኩት ኩት” ኢላ ንጨቓዊታ ንክበልዑ ትደሃዮም ነበረት።

ኣብቲ ሕርሻ ሓንቲ ድሙ ትነብር ነበረት። ኩሉ ግዜ ስልችውቲ ስለዝነበረት ዝበዝሐ ግዜኣ ኣብ ድቃስ ተሕልፎ ነበረት። ኣዝያ ህክይቲ እውን ስለዝነበረት ወላ ነቲ ኣብቲ ሕርሻ ዝነብር ኣንጭዋ ከተፈራርሖን ከተህድሞን ፈቲና ኣይትፈልጥን እያ። ኣብቲ ሕርሻ ሓደ ሓሰማ እውን ይነብር ነበረ። እንተኾነ ንሱ ኣብቲ ሕርሻ ብዛዕባ ዘጋጥሙ ነገራት ዕጅብ ዝብሎ ኣይነበረን። ንሱ ሓንቲ ዝፈትዋ ከም ድላይካ እናበላዕካ ምግዛፍ ጥራይ እያ ነይራ።


kat van de kleine rode hen
muis van de kleine rode hen


ሓደ መዓልቲ እታ ንእሽቶ ቀያሕ ደርሆ ሓንቲ ፍረ ስርናይ ረኸበት። እታ ደርሆ ሓሳኹ ጥራይ ስለእትፈልጥ ዝነበረት፡ እታ ፍረ ሓድሽ ዓይነት ምቁር ሓሰኻ እያ ትኸውን ኢላ ሓሰበት። ቀስ ኢላ ድማ ብኣፋ ተንከፈታ እሞ ሓሰኻ ከም ዘይኮነት ክትርዳእ ከኣለት። ወላ እኳ እታ ፍረ እንክትሪኣ ምሽላሓ ንሓሰኻ ትመስል እንተኾነት መቐረታ ግን ፈጺሙ ምስ ናይ ሓሰኻ ኣይመሳሰልን እዩ ኢላ ሓሰበት።

kuikentjes van de kleine rode hen

እታ ደርሆ ነታ ፍረ ስርናይ ሒዛ ናብ’ቶም ካልኦት እንስሳታት ሕርሻ ብምኻድ እንታይ ከም ዝኾነት ዝፈልጥዋ እንተኾኑ ሓተተቶም። ድሕሪ ብዙሕ ምሕታት ድማ ፍረ ስርናይ ከም ዝኾነት፡ ኣብ ሓመድ ምስ እትትከል ድማ ስርናይ ከተፍሪ ከም እትኽእልን፡ በቲ ስርናይ ድማ ባኒ ከም ዝስራሕን ክትግንዘብ ከኣለት።

ደርሆ እዚ ምስ ፈለጠት እዛ ፍረ ክትትከል ኣለዋ ኢላ ሓሰበት። እንተኾነ ንዓኣን ንደቃን መግቢ ክትምእርር ክትከይድ ስለዝነበራ ነታ ፍረ ክትተኽላ ግዜ ከተጥፍእ ኣይደለየትን።

the little red hen

ስለዚ ብዛዕባ እቶም ስራሕ ዘይብሎም፡ ግዜኦም ብኸንቱ ዘጥፍኡ መናብርታ ዝኾኑ ድሙ፡ ሓሰማን ኣንጭዋን ሓሰበት እሞ ዓው ኢላ ተደሃየቶም፡

“እዛ ፍረ መን ክዘርኣ እዩ?”

እቲ ሓሰማ “ኣነ ኣይዘርእን እየ”

እታ ድሙ “ኣነ ኣይዘርእን እየ”

እቲ ኣንጭዋ “ኣነ ኣይዘርእን እየ” ኢሎም መለሱ።

“ወይለይ፡ ከምኡ ኢልኩም! ደሓን በሉ ባዕለይ ክዘርኣ እየ” በለት ደርሆ።

ከምኡ ድማ ገበረት።

varken van de kleine rode hen


ክረምቲ ኮይኑ መዓልታት እናተጸብጸቡ ከዱ። ደርሆ ከም ቀደማ ንዓኣን ንደቃን መግቢ ኣብ ምምእራር ግዜኣ ከተሕልፎ ከላ፡ በዓል ሓሰማ፡ ድሙን ኣንጭዋን ከኣ እናገዘፉ ይኸዱ ነበሩ። እቲ ስርናይ ድማ እናዓበየ ከደ። እዋን ዓጺድ ኣኸለ።

het rode hennetje krijgt geen hulp

ደርሆ ዝዘርኣቶ ስርናይ ሸዊቱ ንዓጺድ ከም ዝኣኸለ ምስ ረኣየት “ነዚ እኽሊ መን ክዓጽዶ እዩ?” ኢላ ዓው ኢላ ተደሃየት።

እቲ ሓሰማ “ኣነ ኣይዓጽድን እየ”

እታ ድሙ “ኣነ ኣይዓጽድን እየ”

እቲ ኣንጭዋ “ኣነ ኣይዓጽድን እየ” ኢሎም መለሱ።

“ወይለይ፡ ከምኡ ኢልኩም! ደሓን በሉ ባዕለይ ክዓጽዶ እየ” በለት ደርሆ።

ከምኡ ድማ ገበረት።

de kat doet helemaal niets

እታ ደርሆ ካብ’ቲ ናይ’ቲ ሓረስታይ ናይ ማሕረሻ መሳርሒ ማዕጺድ ወሲዳ ነቲ ተኽሊ ስርናይ ዓጸደቶ።

ነቲ ዝተዓጽደ ተኽሊ እናረኣየት ድማ ነዚ ከኺዶ ኣለኒ ኢላ ሓሰበት። እንተኾነ እታ ዝነኣሰት ጫቕዊት ናይታ ደርሆ ብዓውታ ተቖጢዓ ብምጭዳር ንወላዲታ ጸውዓታ።

ወዮ ደርሆ ሰንቢዳ ናብ ተብሎ ጠፍኣ።

ኣድህቦኣ ኣብ ክልተ ተመቒሉ፡ በቲ ደቃ ክትኣሊ ሓላፍነት ነይርዋ በቲ ሓደ ድማ ነቲ ስርናይ ክትኣሊ ሓላፍነት ተሰምዓ።

ስለዚ ሕጂ እውን ተስፋ ብምግባር ዓው ኢላ “ነዚ ስርናይ መን ከኺዶ እዩ?” ኢላ ሓተተት።

እንተኾነ ሓሸማ ቁጥዕ ኢሉ “ኣነ የለኹላን”

ድሙ ከኣ “ምያው ኣነ የለኹላን”

ኣንጭዋ ድማ “ጺጽ ጺጽ ኣነ የለኹላን” ኢሎም መለሱ።

እታ ደርሆ ቁጥዕ ኢላ “ባዕለይ ከኺዶ እየ” በለት።

the little red hen aan het werk
de kuikens hebben honger
de kleine rode kip werkt hard

መጀመርታ ንደቃ መጊባ ኣደቀሰቶም፡ ብድሕሪኡ ከኣ ነቲ እኽሊ ኣኺዳቶ። ስርሓ ምስ ወደአት “እዚ እኽሊ ናብ እንዳ ጠሓናይ መን ክወስዶ እዩ?” ኢላ ሕጂ እውን ተስፋ ከይቆረጸት ሓተተት።

እንተኾነ እቶም ካልኦት እንስሳታት ፍቓደኛታት ኣይነበሩን።

ሓሰማ “ኣነ ኣይወስዶን እየ”

ድሙ “ኣነ ኣይወስዶን እየ”

ኣንጭዋ “ኣነ ኣይወስዶን እየ”

ኢሎም ሕቖኦም ሂቦማ ከዱ።

ወያ ደርሆ ደኺመ ከይበለት “ባዕለይ ክገብሮ እየ” በለት።ደርሆ ብሓቦ ነቲ እኽሊ ተሰኪማ ናብ እንዳ ጠሓናይ ብምኻድ፡ ነቲ እኽሊ ጽቡቕ ጌሩ ጥሒኑ ክህባ ነቲ ጠሓናይ ሓተተቶ። እቲ ጠሓናይ ነቲ ስርናይ ጥሒኑ ምስ ሃባ ተሰኪማቶ ሰለይ እናበለት ናብ ገዝኣ ተመለሰት።

de rode hen zorgt goed voor haar kroost
de andere boerderijdieren doen niets
ze zijn ontzettend lui

እታ ደርሆ ንእግረ መንገዳ ሓሳኹ እናለቐመት ከደት፡ ንገሊኦም ክትበልዖም ከላ ንገሊኦም ድማ ንደቃ ሒዛትሎም ከደት። ገዝኣ ምስ በጸሐት ደቃ ብታሕጓስ ተቐበልዋ።

እታ ደርሆ ኣዝያ ደኺማ ስለዝወዓለት ገና ጸሓይ ከይዓረበት ኣብ መደቀሲኣ ኣትያ ጥዑም ድቃስ ደቀሰት።

ኣራፊዳ ክትንስእ እውን መደብ ነይርዋ እንተኾነ ጨቓዊታ ከም ኣመለን ኣንጊሀን ተንሲአን፡ ጫቚ ጫቚ ኢለን ምድቃስ ከልኣኣ እሞ ከም ቀደማ ኣንጊሃ ክትንስእ ተገደደት።

ገና ጽቡቕ ጌራ ከይተበራበረት ከላ ዝመጻ ሓሳብ ከኣ እቲ ስርናይ ሎሚ መዓልቲ ባኒ ክስራሕ ኣለዎ ዝብል ነበረ።

little red hen
red hen op pad

እታ ደርሆ ባኒ ሰሪሓ ኣይትፈልጥን እያ እንተኾነ እቲ ግቡእ ኣሰራርሓ ምስ ፈለጠቶ ባዕላ ክትሰርሖ ከም እትኽእል ትኣምን ነይራ እያ።

ደቃ መጊባን ኣጸራርያን፡ ንሓሰማ፡ ድሙን ኣንጭዋን ክትደልዮም ወፈረት።

ሓንቲ መዓልቲ እዞም እንስሳታት ይሕግዙኒ ይኾኑ እዮም ኢላ ብምሕሳብ ከኣ “መን ባኒ ክስንክት እዩ?” ኢላ ሓተተቶም።

ሕጂ እውን ደርሆ ዕድል ኣይገበረትን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም እንስሳታት ዝነበራ ተስፋ ድማ ቀሃመ ምኽንያቱ እንተ ሓሰማ “ኣነ ኣይስንክትን እየ” በለ።

ድሙ ከም ኣመላ “ኣነ እውን ኣይስንክትን እየ” በለት።

ኣንጭዋ ከኣ ኣስዕብ ኣቢሉ “ኣነ ከማን ኣይስንክትን እየ” በለ።

ስለዚ ሕጂ እውን እታ ደርሆ “ባዕለይ ክስንክቶ እየ” ኢላ።

እታ ደርሆ “ኣነ ሲ ካብ መጀመርታ ኣትሒዘ ኩሉ እዚ ስራሕ ባዕለይ ክሰርሖ ከም ዝኾንኩ ይርድኣኒ ነይሩ እዩ መስለኒ” ኢላ ብምሕሳብ፡ ዘረባ ናይ’ቶም ካልኦት እንስሳታት ዕሽሽ ኢላ፡ ግርምብያለ ተኸዲና ስርሓ ጀመረት። ነቲ ስርናይ ማይ፡ ጨው፡ ለቢቶ ጌራ ኣብዒጣ ቢሑቕ ኣዳለወት፡ ነዚ ድማ መቓቒላ ናብ ፎርኖ ክበስል ኣእተወቶ። እታ ደርሆ እዚ እናገበረት፡ እታ ድሙ ኮፍ ኢላ ማዕጠጥ እናበለት ትስሕቕን ትዘናጋዕን ነበረት። 

de kleine rode hen bakt brood

ኣብ ጥቓኣ እቲ ኣንጭዋ ንነብሱ ኣብ መስትያት እናረኣየ መልክዑ የድንቕ ነበረ።

ካብኦም ግልል ኢሉ ድማ እቲ ሓሰማ ክሕርንኽ ይስማዕ ነበረ።

ኣብ መወዳእትኡ እታ ናይ ዓወት ሰዓት ኣኸለት። እቲ ንፋስ ኣዝዩ ጥዑም ሽታ ሒዙ መጽአ። ኩሉ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ድማ ኣዕሚቑ ትንፋስ ብምስሓብ ነቲ ጥዕም ጨና ኣስተማቐሮ።

እታ ደርሆ ነቲ ባኒ ሒዛ፡ ንእግረ መንገዳ ዝረኸበቶ እናተኾበት ናብቲ ሕርሻ ተመለሰት።

እንክትሪኣ ሃዲኣን ኮሪዓን እኮ እንተነበረት ከይተሓለለት ብዝገበረቶ ስራሕ ክትዕወት ብምኽኣላ ብውሽጣ ኣዝያ ተሓጒሳን ተደሲታን ስለዝነበረት ክትስዕስዕን ዓው ኢላ ክትደርፍን ደለየት።

ስለዚ ኣብቲ ሕርሻ እታ ልዕሊ ኩሎም ተሓጒሳ ዝነበረት እንስሳ ምንባራ ከኣ ዘገርም ኣይኮነን።

እቲ ዝሰርሓቶ ባኒ ክብላዕ ይኽእል ድዩ ኣይኽእልን ርግጸኛ እኳ እንተዘይነበረት ካብቲ ፎርኖ ምስ ወጽአ ግን መልክዑን ሽታኡን ኣዝዩ ብሉጽ ብምንባሩ ሓጎሳ ወሰን ኣይነበሮን።

ኣመል ኮይኑዋ ደርሆ “ነዚ ባኒ መን ክበልዖ እዩ?” ኢላ ተደሃየት።

እቶም እንስሳታት ኣፎም ማይ መሊኡ፡ ኣስናኖም ሓርቀምቀም እናኣበሉ፡ ከንፈሮም እናለሓሱ ሃነን ኢሎም ነቲ ባኒ ክጥምትዎ ስለዝጸንሑ ሓሰማ “ኣነ ክበልዕ እየ” በለ፡ 

ድሙ ከኣ “ኣነ ክበልዕ እየ” በለት፡ 

ኣንጭዋ እውን “ኣነ ክበልዕ እየ” በለ። እንተኾነ እታ ደርሆ፡

De kleine rode hen eet het brood helemaal alleen op

“ሓደ እኳ ዝበልዕ የለን፡ ኣነ ጥራይ እየ ዝበልዕ” ኢላ ምስ ደቃ ኮይና በልዓቶ።