ራምፐልስቲልስኪን

ጽሟቕ ዛንታ

እዛ ዛንታ ብዛዕባ ሓንቲ ጓል ድኻ ጠሓናይ እኽሊ ብሰንኪ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዘረባ ናይ ወላዲኣ ብንጉስ ናይታ ዓዲ ፈትሊ ናብ ወርቂ ንኽትቅይር እትግደድ እያ ተዘንቱ። ኣብ ክትወጽኣሉ ዘጸግም ጸበባ ኣትያ ጸገማ ብሽሑራዊ ሓገዝ ናይ ሓደ ንእሽቶ ሰብኣይ እኳ እንተተፈትሐ እቲ ሰብኣይ ግን ከም ፍረ ጻማኡ ዝተፈላለየ ነገራትኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ቀዳማይ እትወልዶ ህጻን ንክትህቦ እዩ ሓቲትዋ። እዛ ዛንታ ብዛዕባ እታ ጓል ንዝተዋህባ ትእዛዛት ክትፍጽም እተሕልፎ ሽግር እቲ ሞራላውን ስነ-ምግባራውን ገጽ ናይ እትወስዶ ምርጫ ኣብ መወዳእታ ድማ ውላዳ ንኽትዕቅብ ስም ናይቲ ንእሽቶ ሰብኣይ ንምርካብ እተካይዶ ጻዕሪ እያ ተዘንቱ። ብሓፈሻ እዛ ዛንታ ዓቕሊ-ጽበት ልዝብን ጥበብን ዳህሲሳ ንውጽኢት ምትላልን ንኣገዳስነት ምብልሓትን ከኣ ተጉልሕ።

ኦንላይን ኣንብብ

ሓደ እዋን ሓደ ድኻ ጠሓናይ እኽሊ ሓንቲ ኣዝያ ምልክዕቲ ውላድ ነበረቶ። ሓደ መዓልቲ ናብ ንጉስ ናይታ ዓዲ ብምኻድ፡ ጓሉ ንፍዕቲ ኣላሚት ከም ዝኾነትን ንፈትሊ ናብ ወርቂ ክትቅይር ከም እትኽእልን ሓበሮ። እቲ ንጉስ ወርቂ ኣዝዩ እዩ ዝፈቱ ዝነበረ ስለዚ ንዓቀይቶቱ ነታ ጓል ቀልጢፎም ከምጽእዋ ኣዘዞም። ምስ መጸት ኣብ ሓደ ፈትሊ ዝመለአ ክፍሊ ኣእትዩ፡ ሰፋይት ምስ መፍተል ሂቡ “ነዚ ፈትሊ ቀልጢፍኪ ኩሉ ናብ ወርቂ ለውጥዮ፡ እዚ ምስ ዘይትገብሪ ግን ክትቅተሊ ኢኺ” ኢሉ ዓጽይዋ ከደ። 

እታ ጓል ኣዝዩ ዓቢ ጸገም እዩ ኣጓኒፍዋ፡ ምኽንያቱ ንፈትሊ ናብ ወርቂ ንኽትቅይር ዓቕሚ ኣይነበራን። ዓው ኢላ ድማ ብብኽያት ተነኽነኸት። ሃንደበት እቲ ማዕጾ ተኸፍተ እሞ ሓደ ሓጺር ሰብኣይ ናብቲ ክፍሊ ኣተወ። “ሰላም ከመይ ኣምሲኺ? እንታይ ኮይንኪ ደኣ ኣምሪርኪ ትበኺ ኣለኺ?” ከኣ ኢሉ ሓተታ። ንሳ ድማ “ነዚ ፈትሊ ናብ ወርቂ ለውጥዮ እንድየ ተባሂለ፡ ከምኡ ክገብር ግን ዓቕሚ የብለይን” ኢላ መለሰትሉ። 

“እሞ ኣነ እንተቕይረልኪ እንታይ ትህብኒ?” ኢሉ እቲ ንእሽቶ ሰብኣይ ሓተታ። “እዛ ናይ ክሳደይ ስልማት” በለቶ። ንሱ ነታ ስልማት ተቐቢሉ ስርሑ ጀመረ። ምሉእ ለይቲ ክሰርሕ ሓዲሩ፡ ንግሆ ወጋሕታ ምስ ኮነ ነቲ ኩሉ ፈትሊ ናብ ወርቂ ለዊጡ ስርሑ ዛዘመ። እቲ ንጉስ መጺኡ ነቲ ኩሉ ወርቂ ምስ ረኣየ ኣዝዩ ተደነቐ፡ ካብኡ ዝበዝሕ ወርቂ ድማ በሃገ።

እቲ ንጉስ ነታ ጓል ናብ ሓደ ዓቢ ፈትሊ ዝመልአ ክፍሊ ወሰዳ። ምንባር ክትቅጽል ምስ እትደሊ ድማ ነቲ ኩሉ ናብ ወርቂ ክትልውጦ ከም ዘለዋ ሓበራ። እታ ጓል ሕጂ እውን ኣምሪራ ክትበኪ ጀመረት እሞ እቲ ሓጺር ሰብኣይ መጸ።

“ነዚ ኩሉ ፈትሊ ናብ ወርቂ እንተለዊጠዮ እንታይ ትህብኒ?” በላ። “ካትም ናይ ኢደይ” በለቶ። እቲ ሓጺር ሰብኣይ ነታ ካትም ምስ ተቐበለ ምሉእ ለይቲ ክሰርሕ ሓደረ፡ እቲ ፈትሊ ድማ ናብ ወርቂ ተለወጠ።

እንተኾነ እቲ ንጉስ ሕጂ እውን ኣይዓገበን። ነታ ጓል ካብቲ ዝነበረቶ ናብ ሓደ ኣዝዩ ገዚፍ፡ ፈትሊ ዝመለአ ክፍሊ ወሲዱ፡ ነቲ ኩሉ ፈትሊ ኣብ ሓደ ለይቲ ናብ ወርቂ ለዊጣቶ ክትሓድር ኣዘዛ። “ወላ እኳ ጓል ጠሓናይ ትኹን እምበር ካብኣ ትህብትም ሰበይቲ ግን የላን” ኢሉ ብምሕሳብ ከኣ ምስ እትዕወት ክምርዓዋ ከም ዝኾነ ሓበራ። 

እታ ጓል ተስፋ ክትቆርጽ ደለየት፡ እንተኾነ ግን ሕጂ እውን እቲ ሓጺር ሰብኣይ መጸ። “ሕጂ ኸ ነዚ ፈትሊ ናብ ወርቂ እንተለዊጠዮ እንታይ ክትህብኒ ኢኺ?” ኢሉ ከኣ ሓተተ። “ሕጂ ሲ ዝህበካ ወላ ሓንቲ እኳ የብለይን” በለቶ። እቲ ሓጺር ሰብኣይ ሕስብ ኣቢሉ “እሞ ንግስቲ ምስ ኮንኪ ትወልድዮ ቦኽሪ ውላድኪ ንዓይ ከም እትህብኒ መብጽዓ እተውለይ” በላ። ንሳ ድማ “ደሓን ሽዑ ንሪኦ” ኢላ ብምሕሳብ መብጽዓ ኣተወትሉ። ስለዚ እቲ ሓጺር ሰብኣይ ሕጂ እውን ነቲ ፈትሊ ብምሉኡ ናብ ወርቂ ለወጦ።ንግሆ ምስ ኮነ እቲ ንጉስ መጺኡ ነቲ ወርቂ ምስ ረኣዮ ኣዝዩ ተሓጎሰ፡ ከምቲ ዝበሎ ድማ ገበረ። ነታ ጓል ተመርዓዋ እሞ ንግስቲ ኮነት። ሓደ ዓመት ምስ ሓለፈ ከኣ ሓደ ህጻን ወለዱ። እታ ንግስቲ ብዛዕባ እቲ ሓጺር ሰብኣይ ረሲዓቶ እኳ እንተነበረት ሃንደበት ናብቲ ናታ ክፍሊ ምስ ኣተወ ግን ኣዝያ ሰንበደት። “በሊ ከም መብጽዓኺ እዚ ህጻን ሃብኒ” ከኣ በላ። እታ ንግስቲ ውላዳ ዓቂባ፡ ዘለዋ ኩሉ ሃብቲ ክትህቦ ለመነቶ። እቲ ሓጺር ሰብኣይ ግን ነቲ ህጻን ጥራይ ከም ዝደሊ ሓበራ። እታ ንግስቲ ኣምሪራ ምስ በኸየት ግን እቲ ሓጺር ሰብኣይ ደንገጸላ። ስለዚ ከምዚ በላ “በሊ ኣነ ስመይ መን ከም ዝኾነ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት እንተፈሊጥክዮ፡ ውላድኪ ክትዕቅብዮ ትኽእሊ ኢኺ”።

እታ ንግስቲ ምሉእ ለይቲ ብዕምቆት ክትሓስብ ሓደረት፡ ናብቲ ዓዲ መልእኽተኛ ሰዲዳ እውን ዝርዝር ናይ ኣስማት ሒዙላ ክመጽእ ኣዘዘት። ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ እቲ ሓጺር ሰብኣይ ምስ መጸ ዝተፈላለየ ኣስማት ክትጽውዕ ጀመረት “ኣልበርት፡ ጀራርድ፡ ክርስትያን” ወዘተ። እንተኾነ ንኩሉ ዝጠቐሰቶ ኣስማት “ስመይ ኣይኮነን” እናበለ መለሰላ።

ካልኣይ መዓልቲ ኮይኑ እታ ንግስቲ ባዕላ ዘወር ኢላ ዝተፈላለየ ኣስማት ኣከበት። እቲ ሓጺር ሰብኣይ ምስ መጸ ከኣ ፍሉይ ዝኾነ ኣስማት ጠቐሰትሉ፡ እንተኾነ ሕጂ እውን ስሙ ክትረኽባ ኣይከኣለትን።

ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እቲ መልእኽተኛ ተመሊሱ መጺኡ “ዝኾነ ሓድሽ ስም ክረክብ ኣይከኣልኩን፡ እንተኾነ ኣብቲ ጫካ ሓንቲ ንእሽቶ ገዛ ረኺበ። ኣብ ኣፍ-ደገ ሓዊ ሃልሃል ይብል ነይሩ፡ ኣብ ጥቕኡ ከኣ ሓደ ሓጺር ሰብኣይ እናዘለለ፡

“ሎሚ ባኒ ክስንክት እየ፡ ጽባሕ ስዋ ክጸሙቕ እየ፡
ብድሕሪኡ ወዳ ናይታ ንግስቲ ከምጽኦ እየ፡
ክሳብ ሕጂ ዝፈልጥ የለን ከመይ፡ 
ራምፐልስቲልትስኪን ምዃኑ ስመይ” ኢሉ ይዝምር ነይሩ በላ።


እታ ንግስቲ ስሙ ናይቲ ሓጺር ሰብኣይ ብምርካባ ኣዝያ ተሓጎሰት። እቲ ንእሽቶ ሰብኣይ ምስ መጸ መጀመርታ “ስምካ ጊግስ ወይ ጌርት ድዩ?” ኢላ ሓተተቶ። “ኣይኮነን” መለሰ። ቀጺላ “እሞ ራምፐልስቲልትስኪን ዶ ደኣ ይኸውን?” በለት። እቲ ሰብኣይ ኣዝዩ ሓረቐ፡ “መን ነጊሩኪ? እዚ ስም ከመይ ጌርኪ ረኺብክዮ?” ኢሉ ከኣ ብዓውታ ጨደረ፡ ብየማናይ እግሩ ድማ ብሓይሊ ነቲ መሬት ወቕዖ እሞ እቲ ጭቃ ክሳብ ሽምጡ ወሓጦ። ብድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ከኣ ነቲ ንእሽቶ ሰብኣይ ዝረኣዮ ወላሓደ እኳ የለን።